top of page

ገጽ ሕጋዊ ምኽሪ

ኣብ ኣዝዩ ህጹጽ መዳያት ብፍላይ እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ናይ ግዚያዊ ወረቀትካ ወይ ምጥራዝ ዘስግእ እንተ ዀይኑ ብቐጥታ ንጠበቓ ከተማኽር ኣለካ።

ምጽራይ *Clearing* ፣ ኩሉ ግዜ ዓርቢ ካብ ሰዓት 17:00 – 18:00 ኣብ Weltraum, Unterm Markt 13, Jena

ምጽራይ *Clearing* ፣ መብርሂ ሕቶ ጕዳይካ ኣብ ወረቀት ዘተኮረን ከመይ ጌርካ ሓገዝ ትረክብ ትክአል "ማለት" አዩ።

ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ኣብ ሕቶኻ ኽንሕግዘካ ንኽእል እንተ ኮይና ኣሕጽር ኣቢልና ኽንመያየጥ ኢና። ኣብዚ ጉዳይ ኣፍልጦ አንተ ደኣ ዘይብልና ኮይኑ ከመይ ጌርካ ሓገዛት ከም ትረክብ ካልአ መንገድታት ኣብ ካልአ ቦታ ክንደሊ ኢና። ናብኡ ምስ ከድካ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኽትምዝገብ እትኽእለሉ ናይ ምኽሪ ካርድ ክትቅበል ኢኻ፣ ኩሉ ግዜ ሰሉስ ማዓልቲ ቅድሚ ናይ ምኽሪ ሰዓታት ቤት ጽሕፈት ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ።

ናብቲ ኩሉ ግዜ ዓርቢ ካብ 17:00 – 18:00 ዝካየድ ናይ ምጽራይ ብዛዕባ ጉዳይካ ክትመጽ አንተ ድኣ ሽግር ኣለካ በዚ Email (beratung@rlcjena.de) ተወከሱና ክትመጽሉ እትክእሉሉ መገዲ ኽንረክብ ኢና ።

ንስደተኛታትን ዚኸውን ናጻ ምኽሪ ዚግበረሉ ሰዓታት፣

ምምዝጋብ ኩሉ ግዜ ሰሉስ ካብ ሰዓት 3:00 ድ.ቐ. ኣድራሻ Weltraum, Unterm Markt 13, Jena

ከም ንቡር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምኽሪ ንኣርባዕተ ሰባት ምኽሪ ክወሃቦም ይኽእል ኢዩ ግን አቲ ምኽሪ ካብ ሰዓት 3:00 ድ.ቐ ከም ዝካየድ ሙሉአ ውሕስነት ክንህበካ ኣይንኽእልን ኢና ። ስለዚ ብትሕትና ክትርድኡልና ንምሕጸነኩም ኣለና።

እቲ ምኽሪ ካብ ሰዓት 16:00 ክሳብ 19:00ድ.ቐ. ድማ እዩ ዚዛዘም።

አንተ ድኣ ደሊካ ተርጓሚ ሒዝካ ክትመጺ ትክአል ኢካ፣ተርጓሚ ዘድሊየካ አንተ ደኣ ኮይኑ ግን ኣቀዲምካ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብዚኣ ኢሜይል (Email) (beratung@rlcjena.de) መልእኽቲ ክትሰዱልና ትክእሉ ኢኩም።

bottom of page