top of page

እቲ ወለንተኛ ክሊኒክ ሕጊ ስደተኛታት (Refugee Law Clinic Jena e.V.) ናይ ተመሃሮ ሕጋዊ ምኽሪ ን ስደተኛታትን ዝህብ አዩ፣ ስራሕና ድማ ኣብ ሕጊ ዕቝባን ስደተኛታትን ዘተኵረ አዩ ። ንሕና ንስደተኛታትን ብፍላይ ከኣ ን ዑቑባ ሓተቲ ስደተኛታት ኣብ ናይ ሕጊ ሕቶታት ንድግፎም ኢና ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ነቶም ብወለንተኛ ክሳተፉ ዝደሊዩ ብዛዕባ ዕቝባን መንበሪ ሕግን ዚገልጽ መደብ ስልጠና ንህብ ኢና ።

እቲ ናይ ዕቝባ መስርሕ ንስደተኛታት ብዙሕ ቢሮክራሲያውን ሕጋውን ብድሆታት የምጽኣሎም ኢዩ። ብዛዕባ ዅነታት መንበሪ ዀነ ብዛዕባ እቲ ስዒቡ ዚመጽእ ውሳነ ብዛዕባ ማሕበራዊ ምትሕብባር ዚለዓል ሕቶታት ብናይ ወጻኢ ቛንቋን ሕጋዊ ቦታን እዩ ዚለዓል ስለዚ እዩ ከኣ ከቢድ ይገብሮ። በዚ ምኽኒያት እዚ‘ዩ ከኣ መብዛሕትኦም ካብቶም በዚ ነገር ግዳይ ዝኮኑ፣ ኻብ ብቑዓት መምህራን ሰብ ሞያን ደገፍን ሕጋዊ ምኽሪን የድሊዮም ። ብሰንኪ ቝጠባዊ ወይ ብሕታዊን ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዅነታት ብዙሓት ስደተኛታት እኹል ምኽሪ ኣይረኽቡን እዮም ። ክሊኒክ ሕጊ ስደተኛታት የና (Die Refugee Law Clinic Jena) ነዚ ሕጂ ዘሎን ብሕታውን ኵነታት ናይቶም ዝተጎድኡ ንምምሕያሽ ኣበርክቶ ኽትገብር ድልውቲ እያ ።

ምኽሪ ዝህብ ንጥፈታት፣

ንስደተኛታት ብናጻን ትሕቱ ደረጃ ቅልጡፍን ቢሮክራሲያውን ሕልኽልኽ ዘይብሉ ፣ ኣብ ናይ ሕጋዊ ጉዳያትን ሓገዛትን ንምግባር ድሉዋት ኢና፣ ከመኡ ድማ ኣብ ምኽርን ደገፍን ዘለዎ ምምሕዳራውን ነገራት ንነጥፍ ኢና። አዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ምሉእ ብምሉእ ምስ ብቕዓት ዘለዎም ጠበቓታት ውን ኣጸቢቕና ንራኸብ ኢና። ይኹን እምበር ንንጥፈታት ጠበቓ ኣይንፍጽምን ኢና፣ የግዳስ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና፣ ከመይ ጌርካ ብናጻ ሕጋዊ ምኽሪ ክትረኽብ ትኽእል ብፍላይ ድማ ነቶም ሰባት ነቲ ናይ ጠበቓ ምኽሪ ከሳልጡ ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ማለት ንሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ክከውን ይኽአል፣ ኣብ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ሓገዛት ዘድሊዮም ኣብ ምትሕብባር ውን ንነጥፍ ኢና።

በዚ መሰረት እዚ መደብ ስልጠና ንዅሎም እቶም ግዜን ድሌትን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ዘተኰረ እዩ፣ ኣስተምህሮታት ኣብያተትምህርቲ ከምኡውን ምልምማድ ብምግባር ነቲ ናይ ዕቝባን መንበሪ ሕግን ኣጸቢቖም ክፈልጡ ይህግዝ፣ ካንዚ ተበጎሶም ዲማ ጸኒሖም አዚ ኣፍልጦን ተመክሮን ብፍታዎም ኣብ ግብሪ ንከውዕልዎ።

bottom of page